ብዛዕባና
ProMosaik ናይ ቆልዑ ኣብ ለካቲት 2019 ብ ናይ ሰብ ኣዊ መሰላት ተጣባቒት Milena Rampoldiኣብ ከተማ ኢስታንቡል ተጀሚሩ፡ እዚ ድማ ነጻ ናይ ኦንላይን ቀረባት ናብ ብዙሓት ቃንቃታት ናይ ዝተተርጎሙ መጽሓፍቲ ናይ ቆልዑ ንምቅራብ ዝዓለመ ኢዩ።
ProMosaik ናይ ቆልዑ፡ ነቲ ንኩሎም ቆልዑ ማዕረ ዝኾነ ዕድላት ኣብ ምፍጣር ውፉይ ኢዩ፡ ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ መጽሓፍ ንኸንብብ መሰሉ ሙኻኑ ንምርኣይ ጽቡቕ ዝኾኑ ባይታ ይፈጥር፡ እዚ ድማ ቆልዑ ብዝኾነ ናይ ገንዘብን ፋይናንስን ሽግራ፡ ወይ`ውን ብዝኾነ ማሕበራዊ ሕማማትን ናይ ስድራቤት ወይ ኮሚኒቲ ከይዝጸልዉን ከይሕጸሩን ዝተመቻቸአ ባይታ ይፈጥር።
ProMosaik ናይ ቆልዑ፡ መጽሓፍቲ ናይ ቆልዑ፡ ኣብ ምፍጣር ድንጋጸን ተጸዋርነትን ዘለዋ ዓለም ን ናይ “ወጻኢ” ባህሊን እምነትን (ሃይማኖትን) ኣዝዩ ዓቢ ዝኾነ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል እምነት ዘለዎ።
ወላካ ProMosaik ናይ ቆልዑ ሕልሚ ወይ ዘይተበጻሒ ዓላማ ወይ ራኢ እንተመሰለ፡ እንተኾነ ቀንዲ ክንበጽሖን ክንፍትኖን ዘሎና ራኢ`ና ከም ዝኾነ ክንሕብረኩም ንደሊ።
ናይ ProMosaik ናይ ቆልዑ፡ ቀንዲ ጉጅለታት/ኣባላት ን ደረስቲ፡ ኣስተርጎምቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ተሓለቅቲ፡ ከምኡውን ስድራቤታት ዝሓቆፈ ኢዩ።